Tigrinya Fables ጽውጽዋያት ትግርኛ 3.0

3

Pro hodnocení programu se prosím nejprve přihlaste

Staženo
39 ×
ሓጺር መእተዊ ብዛዕባ ጽውጽዋይ

ጽውጽዋይ.......ወደኮይ ጸሊማይ

ጽውጽዋይ ሓጺርን ጽፉፍን ስነ-ጽሑፋዊ ቅዲ ዘልዎ ልብወለዳዊ ዛንታ ኮይኑ፡ ከም መልክዕ ተራ ንባብ ወይ ከም ግጥሚ ዝቆመ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሞራላዊ ዝኾነ ትምህርቲ ዘመሓላልፍ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ጽውጽዋይ ብዙሓት ዓይነት ነገራት ዘጠቃልል ኢዩ ከምኒ እንስሳታት፣ ኣትክልቲ፣ ህይወት ዘይብሎም ነገራት፣ ኣፈታሪኻውያን ነገራት ወይ እውን ናይ ተፈጥሮ ሓይልታት። እዞም ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይ ጽውጽዋይ ከምኒ እንስሳታት፣ ናይ ወድሰብ ክእለት ንኣብነት ናይ ምዝራብ ዓቅሚ ወይ ውን ነገራት ናይ ምግንዛብ ዓቅሚ ዝለብሱ ኮይኖም ኣብ መወዳእታ ድማ ሓደ ንጹር ዝኾነ መልእኽቲ የመሓላልፉ።

ጽውጽዋይ ነዊሕ ታሪኽ ዘሎዎ ኮይኑ፣ ካብቶም ያታዊ ስነ-ጽሑፍት ድማ ብቀጻልነቱ ብናይ ዘመና ስነ-ፍልጠታውያን ዝተመስከረሉ ኢዩ። ጽውጽዋይ ዳርጋ ኣብ ናይ ዝኾነት ሃገር ስነ-ጽሑፍ ዝርከብ ኢዩ። ኣህጉርና ኣፍሪቃ ድማ ሃብታም ዝኾነ ባህሊ ዘሎዋ ኣብ ልዕሊ ምዃና፡ ጽውጽዋይ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሰጋገር ነገር ነይሩን ኣሎን። ኣብ ሃገርና እውን፣ ዳርጋ ነፍሲወከፍና፡ ሓቢርና ብወለድና ወይ እውን ኣብ ነሕድሕድና ጽውጽዋይ ናይ ምንግጋር ልማድ ግኑን ኢዩ። ጽውጽዋይ ኣብ ኣተዓባብያን ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ሞራል ኣብ ምስግጋርን ዓቢ ተራ ዘሎዎ ኢዩ።
  • Verze programu

    3.0

  • Poslední aktualizace od vývojáře

    29. 9. 2017

  • Počet stažení za měsíc

    0 ×

  • Velikost

    2,1 MB

  • Potřeba instalace:

    Ano

  • Web autora

    Afromium Digital Solutions

Zobrazit více
Přejít do Google Play
Zdarma

Sdílet

TIP: Stahují se vám programy pomalu? Změřte si rychlost svého internetového připojení.