Tigrinya Love - ፍቕራዊ መልእኽቲ ብትግርኛ 3.0

3

Pro hodnocení programu se prosím nejprve přihlaste

Staženo
3 ×
ፍቕራዊ መልእኽቲ ብትግርኛ
Tigrniya Love SMS Messages

ፍቕሪ ኣዝዩ ጥዑምን ዘሐጉስን ነገር ኢዩ። ኣብ ዘሎና ዝምድና ዝርርብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ባእታ ኢዩ። ነቲ ዘሎና ፍቕሪ ድማ ኩሉ ግዜ ከነርእዮ ኣገዳሲ ኢዩ። ንመጻምድትና ከምነፍቕሮምን ብእኦም ከም ንሓስብ ዘሎናን ከነፍልጦም ከሎና ኣዝዩ ባህታ ዝፈጥርን ነቲ መዓልታዊ ንረኽቦ ናቶም ግብረመልሲ ድማ ብኣወንታ ዝጸሉን ኢዩ። ልዑል ዝኾነ ተገዳስነትን ፍቕርን ንመጻምድትኻ ብዘርኣኽሞ መጠን ናትኩም ዝምድና ይተርር።

ፍቕርኹም ኩሉ ግዜ ሃልሃል ከምዝብል ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣሎኩ። ኣብ ሕብረተሰብና ብዙሕ እኳ ልሙድ እንተዘይኮነ ፍቕራዊ ዝኾነ መልእክቲ ብሞባይል ምስዳድ ሓደ ካብቶም ብሉጻት መንገዲ ዝኾነ ሰብ ናቱ ተወፋይነትን ፍቕርን ዝገልጸሉ መንገዲ ኢዩ።

ብትግርኛ ዝዛረቡ ሰባት ነዚ ነገር እዚ ክገብሩዎ ይኽእሉ ኢዮም፣ ንኣብነት ሓንቲ ጎርዞ ከምዚ ክብል ይኽእል “ንስኻ ናይ ክምስታይ ምኽንያት ምዃንካ ክትፈልጥ ይደልየካ”። ሰባት ብቛንቛ ኣደ ብዝበለጸ ሓሳባቶም ክገልጹ ይኽእሉ። ብዙሓት ሰባት ግን ፍቕሮም ከም ድላዮም ኣብ ምግላጽ ክሽገሩ ይረአ።
ናይዚ ናይ ሞባይል ኣፕሊኬሽን ቐንዲ ጥቕሚ እምበኣር ነዚ ነገር ኣብ ምቕላል ኢዩ። እዚ ኣፕሊኬሽን እዚ ፍቕራዊ ዝኾን መልእክታት ዝሓዘ ኮይኑ፣ ናብ ወዲተባዕታይን ጓልኣንስተይትን ክስደድ ይከኣል። እቲ ናብ ወዲተባዕታይ ክስደድ ዝከኣል “ንዕኡ” ተባሂሉ ተዘርዚሩ ኣሎ፣ ናብ ደቀንስትዮ ዝስደድ ከኣ “ንዓኣ” ተባሂሉ ተዘርዚሩ ይርከብ።

ነዚ ኣፕሊኬሽን ምትቓምኩም ኣዚና ነምስግን።
  • Verze programu

    3.0

  • Poslední aktualizace od vývojáře

    28. 9. 2017

  • Počet stažení za měsíc

    0 ×

  • Potřeba instalace:

    Ano

  • Web autora

    Afromium Digital Solutions

  • Podporované jazyky

    • Angličtina
Zobrazit více
Přejít do Google Play
Zdarma

Sdílet

TIP: Stahují se vám programy pomalu? Změřte si rychlost svého internetového připojení.